ኣብ ቅጽበታዊ፡ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ህጹጽ ኩነታት ከም፤
- ቃንዛ ኣፍልቢ ወይ ምጽቃጥ ኣፍልቢ
- ሃንደበታዊ ምድንዛዝ ወይ ምልማስ ገጽ፡ ቅልጽም ወይ እግሪ
- ዓበይቲ ቃጸሎታት
- ከቢድ ሓደጋታት
- ከቢድ ምፍሳስ ደም
- ጸገም ምስትንፋስ
- ልዑል ቃንዛ
- ሃለዋት ምጥፋእ
ሰልስተ ዜሮ (000) ደውል እሞ እቲ ጻውዒት ዝወስድ ሰብ ክሕግዘኩም እዩ።

ህጹጽ ክንክን ዘድልየካ ኮይኑ ግን ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እንተዘይኮይኑ፤

ናብ ክሊኒክ ህጹጽ ክንክን ምብጻሕ
ነጻ ኣገልግሎት፣ ሪፈራል ወይ ሜዲኬር ካርድ ኣየድልን።

ቪድዮ ጻውዒት ምስ ቨርቹዋል ኢዲ (ED)
ነጻ 24/7 ኣገልግሎት፣ ሪፈራል ወይ ሜዲኬር ካርድ ኣየድልን።
ካብዚ እውን ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፤

ነርስ-ኣብ-ስራሕ
24/7 ደውል ብ 1300 60 60 24

ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ሓኪም
ናብ 13SICK (13 7425) ደውል

ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ፋርማሲስት
ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ፋርማሲ ንምርካብ ብኢንተርነት ድለ
Updated